ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሞያታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምስታፍ፣ ዕብየት ኣፍራይነት ሓንቲ ሃገር ከም ዘዕቢ ተሓቢሩ

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምዕባይ ንዕብየት ኣፍራይነት ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ተራ ከም ዝጻወት፣ ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ መጻናዕታዊ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባር ኣይኤምኤፍ ገሊጹ።

ጃፓን ብደረጃ ዓለም ዝበዝሑ ብዕድመ ዝደፍኡ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፣ ካብ መወዳእታ 1990ታት ጀሚሩ ቁጽሪ ኣፍራዪ ዜጋ እናነከየ መጺኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እናሃለወ ምስ ምትእትታው ፖሊሲ ኣቤኖሚክስ (ኣብ 2012 ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣቤ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ቀረብ ገንዘብ እታ ሃገር ምውሳኽ፣ ወጻኢታት መንግስቲ ምዕባይን ቁጠባ ጃፓን ዝያዳ ተወዳዳሪ ንምግባር ጽገናታት ንምሕንጻጽን ዝወጸ ቁጠባዊ ፖሊሲታት) ጃፓን ንኣመሪካ ስዒባ፣ ዘደንቕ ሓፈሻዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ኣመዝጊባ።

እዚ ድማ ቁጽሪ ኣብ ዕዮ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ብምምጽኡ’ዩ።

ኣብ ጃፓን መጠን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓይሊ ዕዮ፣ ካብቲ ኣብ 2012 ዝነበረ 63 ሚእታዊት፣ ኣብ 2022 ናብ 74 ሚእታዊት ደይቡ።

እዚ ድማ ካብቲ መንግስቲ ዘመሓየሾ ፖሊሲታትን ዕረፍቲ ወሊድን ዝተረኽበ ውጽኢት’ዩ።

እዘን ሰራሕተኛታት፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሕጽረት ጉልበት ንምቅላል ሓጊዘን፣ ኣታዊ ስድራቤት ኣዕብየን፣ ንሞተር ዕብየት ነዳዲ ሂበን።

ጃፓን ምስ ካልኦት ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ክነጻጸር እንከሎ፣ ዝወሓደ ቁጽሪ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ዘለዋ ኮይና፣ 2.8 ሚእታዊት ጥራይ ይሽፍን።

መንግስቲ ቁጠባ ናይታ ሃገር ንምዕባይ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝያዳ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ንምስሓብ ፖሊሲታት የተግብር እኳ እንተሎ፣ ነቲ ምንቁልቋል ብዝሒ ኣፍራዪ ህዝቢ ዝሽፍን ደረጃ ክበጽሕ ተኽእሎ የብሉን ክብል ኣይኤምኤፍ ገሊጹ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0