የመን፣ ካብ ኤርትራ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ፣ ንዜጋታታን ሉኣላዊ ክሊ ማያን ክትኸላኸል ምዃና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: Wednesday 21 June 2023

ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትፍጽሞ ዘላ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክትሕተተሉ፣ መንግስቲ የመን ጸዊዑ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ብ15 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፣ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ክቖስል እንከሎ፣ ሽዱሽተ ድማ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ወቒሱ።

ነባሪ ኣብ ገምግም ባሕሪ ናይ እትርከብ ከተማ ኮካ ዝኾነ፣ ካልድ መሓመድ ዓብዱላህ ዝተባህለ ገፋፊ ዓሳ፣ ካብ ሓይልታት ኤርትራ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ሓንቲ ዓይኑ ከምፈሰሰት’ዩ መንግስቲ የመን ከሲሱ።

እቲ ሚኒስተሪ ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ውዕላት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ተሓታቲት’ያ ክብል ከምዘስመረሉ፣ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ የመናውያን ብዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ንመንግስቲ ኤርትራ ተሓታቲ ክገብሮ ‘ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ።

እቲ ደረቱ ዝሓለፎ ዝበሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ የመን ዜጋታታ ናይ ምክልካል ስጉምቲ ክትወስድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ሃብታ ዓሳ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ኣጠንቂቂቑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ የመን ዝቐረበ ወቐሳን መጠንቐቕታን ዝኾነ መልሲ ኣይሃበሉን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀይድዎም ዝጸንሐ 166 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ31 ግንቦት ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምጥቃሶም ይዝከር።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ዓሳ እናገፈፉ ዝሓዞም ጠቕላላ ብዝሒ የመናውያን 267 ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሰበ ስልጣን፣ እቶም 101 ገና ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

እቶም የመናውያን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ዩ መንግስቲ የመን ዝገልጽ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ካብ 1995 ኣትሒዙ ንዝተፈጥረ ረጺሚ፣ ኣብ 1999 ኣህጉራዊ ዳንነት ኣብ ዝተዋህበሉ፣ ዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሓባ ክፋል ደሴታት፣ ንየመን ክህወብ እንከሎ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝኽእሉ ክሊ ማይን ግና ዛጊት ዘየሰማምዕ ነጥብታት ከምዘሎ ይግለጽ።

ኤርትራ፣ ናብቲ ክሊ ማያት ንዝኣትዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብተደጋጋሚ ክትቅይድን ንብረቶም ክትህግርን ከምዝጸንሐት ብወገን መንግስቲ የመን ቀጻሊ’ዩ ወቐሳ ዝቐርብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ግና ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ‘ውን ኣይህበሉን’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0