ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በይናዊ ምርጫ ንኸካይድ ዘቕረቦ ጠለብ ተነጺጉ

Radio Erena: 28 June 2020

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በይናዊ ምርጫ ንኸካይድ ዝቐረበ ጠለብ ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እቲ ናይ ምርጫ ቦርድ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዘይተፈልጠ እዋን ከምዘመሓላለፎ ምስ ገለጸ፣ ክልል ትግራይ ንበይኑ ወከልቱ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከምዘካዪድ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣባላት ቆንስል ክልል ትግራይ ኣብቲ ብዕለት 12 ሰነ ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ እቲ ምርጫ ክካየድ ብምሉእ ድምጺ ኣብ ርእሲ ምጽዳቖም፣ ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ወግዓዊ ሕቶ ክቐርበሉ ወሲኖም እዮም።

እቲ ካብ መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘይሓልፍ ግዜ ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ፣ ሃገራዊ ቦርድ፣ ግዚያዊ ክልላዊ ናይ ምርጫ ኣካል ንከቕውም እዩ ብሰበስልጣን’ቲ ክልል ሕቶ ቀሪቡ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብዕለት 24 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ሰብኣዊ ኮነ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ከዳሉ ሕጋዊ ባይታ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ ነቲ ጠለብ ነጺጉዎ።

ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ሓገዝ ካብ ምሃብ ብምሕሳሙ፣ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ናቱ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ክግደድ እዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝካየደሉ ግዜ፣ በብእዋኑ ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተመሓላለፈ እዩ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0