ዝመጽእ መራሒ ሕብረት ኣፍሪቃ መን ክኸውን እዩ?

Radio Erena: Thursday 06 , June 2024
ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደስቲ መራሕቱ ንምምራጽ፣ ሕጹያት ተወዳደርቲ ቅጥዕታት መሊኦም ምስዳድ ክጅምሩ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ምርጫ’ዚ ኣቦ ወንበር፣ ምኽትሉን ሽዱሽተ ኮሚሽነራትን ክምረጹ እዮም።
ካብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ሕብረት ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፣ ዛጊት ኣርባዕተ ሕጹያት ማለት፣ ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ነበር ፎዝያ ዩሱፍ ኣዳምን ምኽትል ፕረዚደንት ሲሸልስ ነበር ቪንሰንት መሪቶንን፣ ቀሪቦም ኣለዉ።
ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣቦ ወይ ኣደ ወንበር ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክኸውን፣ ምኽትል ከኣ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ እዩ ዝእዝዝ። ዝተረፈ ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ነቲ ሽዱሽተ ናይ ኮሚሽነራት ቦታ ተሓዚኡሉ ኣሎ።
ኣብዚ ምርጫ’ዚ፣ ካብ ኣባልነት’ቲ ሕብረት ዝደስከላ ሃገራት ወይ ከኣ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዙለን ሃገራት ኣይሳተፋን እየን። በዚ መሰረት ሱዳን፣ ጋቦን፣ ኒጀር፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣቢ ምርጫ ከምዘይሳተፋ ቤት ጽሕፈት’ቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0