‘ዜጋታት ኤርትራ፣ ናብ ብሪጣንያ ብጃላቡ ካብ ዝሰግሩ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ቀዳማይ ቦታ ሒዞም’

RADIO ERENA – Wednesday, 09 April 2025

ብጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታት ኤርትራ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዙ ዘ ታይምስ ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ መርበብ፣ ካብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ረኺበዎ ብዝበሎ ሓበሬታ መስረተ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2025 ኣብ ዝነበራ ስለስተ ኣዋርሕ፣ ብድምር 6642 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም 1200 ዜጋታት ኤርትራዮም።

እዚ ድማ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለተ ኣዋርሕ፣ ብጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝወሕዙ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 18% ይሽፍን ማለትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዚ መንገዲዚ ናብ ብሪጣንያ ካብ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዙ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ምንባሮም ዝጠቐሰ ዘ ታይምስ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብዜጋታት ኤርትራ ዝተበልጸሉ ሓደ ምኽንያት፣ ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲን ብዝሓሰረ ዋጋ ይረኽቡ ምህላዎምዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ብጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ መብዛሕቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጁም ዝብገሱዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝጸዓና ናይ ጎማ ጀላቡ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብምጥሓለን፣ ኣስታት 20 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 78 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ብጀላቡ ይኹብ ብናይ ጽዕነት መካየን ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተፈላለየ እማመታት የቕርባ እኳ እንተለዋ ዛጊት ብጽኑዕ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ የለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0