ዕጡቓት ኣምሓራ ፋኖ፣ ምስ ሱዳን ንእተዋስን ከተማ መተማ ተቖጻጺሮም

RADIO ERENA – Monday, 02 September 2024

ዕጡቓት ኣምሓራ ፋኖ፣ ምስ ሱዳን ንእተዋስን ከተማ መተማ ከምዝተቖጻጸሩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዶብ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፖሊስን፣ ናብ ሱዳን ብምእታው ኢዶም ንሰራዊት ሱዳን ከምዝሃበቡ፣ ሱዳን ትሪቡን ንሰበ ስልጣን ዞባ ገዳርፍ ብምጥቃስ ገሊጻ።

ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ፣ እቲ ምስ መተማ ኣብ ዘዋስን፣ ከተማ ጋላባት ናይ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታኦም ብምሕዋል፣ ዶባት ክዕጾ ወሲኖም ኣለዉ።

ዕጡቓት ኣምሓራ ፋኖ፣ ነታ ምስ ሱዳን እተራኽብ ስትራቴጃዊት ከተማ መተማ ምቑጽጻሮም፣ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ይትንተን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ከተማ መተማ ብዕጡቓት ፋኖ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0