ዕጡቓት ምልሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኣልፋሽጋ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

RADIO ERENA – Wednesday, 26 June 2024

ዕጡቓት ምልሻ ኢትዮጵያ ብ24 ሰነ፡ ብዞባ ኣልፋሽጋ15 ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ ብምእታው ገለ ክፋል መሬት ሱዳን ተቖጻጺሮም።

ነዚ ተኸቲሉ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶትን ጓሶትን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ፡ ምዝማትን መጥቃዕትን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ምልሻ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ንገለ ክፋሉ ከም ዝተቖጻጸሩ ተሓቢሩ።

ንኣስታት 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ንዝተባህለ ከባቢታት ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፣ ብ 6 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ን92% እቲ ከባቢ ከምዝተቖጻጸሮ ይዝከር።

ሰራዊት ሱዳን ካብ 2020ንዝበዝሐ ክፋል መሬት ኣልፋሽጋ ተቖጻጺሩ ድሕሪ ምጽንናሕ ሕጂ ዳግማይ መጥቃዕቲ ካብ ምልሻታት ኢትዮጵያ የጋጥሞ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ መጥቃዕቲ ሓደ ሱዳናዊ ጓሳ ከምዝቐተለን ኣማኢት ከብቲ ከምዝተሰርቃን ገሊጾም።

ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ዓብደላ ኣሕመድ ዝተባህለ ወናኒ ጥሪት በቶም ምልሻታት 140 ኣባጊዕ ከምዝተዘምተ ሓቢሩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ኣልፋሽጋ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕን ሰላም ንምርግጋጽን ብወገን መንግስቲ ሱዳንን ማሕበረሰብ ዓለምን ህጹጽ ምትእትታው ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።

ሱዳን፣ ብጉዳይ ዞባ ኣልፋሽጋ ብዝምልከት ብ1902 ከምኡ’ውን ብ1975 ዓመተ ምህረት ዝተፈረመ ስምምዕ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ብምዝኽኻር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ከምዘይትዛተይ እያ ትገልጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0