ው.ሕ.ሃ.፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ከረክብ ምውሳኑ ብሓጎስ ተቐቢሉ

ው.ሕ.ሃ.፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ከረክብ ምውሳኑ ብሓጎስ ተቐቢሉ

Radio Erena: 25 February 2018

unውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ከረክብ ምውሳኑ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።

እቲ ውድብ ብዕለት 23 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ንዝያዳ ደሞክራስያዊ መስርሕ ባይታ ንምንጻፍ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብእወታ ከምዝርእዮ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን፣ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምስሳን፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምርግጋጽ ንኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ከምዝርእያ ይገልጽ።

እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኢትዮጵያ ዳግማይ ንዝተጎሃሃረ ሰላማዊ ሰልፍታትን ናዕብታትን ስዒቡ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ስክፍታ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዝወስዱዎ ዝኾነ ስጉምቲ መሰረታዊ ናጽነት ዜጋታት ዘይግህስን፣ ውሕስነት ሰላምን ምርግጋእን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

======================= 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0