ውጥን ምስጓግ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ደው ኢሉ

RADIO ERENA – Wednesday, 10 July 2024

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ስታርመር ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ስደተኛታት ደው ኣቢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰልፊ ዕዮ ኬር ስታርመር፡ እቲ ውጥን ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዝበለ ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።

ብሪጣንያ ናብ ግዝኣታ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክትሰድድ ዝኣተወቶ ስምምዕ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ንጥብቅና መሰል ደቅሰብ ኣብ ዝቖመ ኣካል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ብሪጣንያ፣ ‘ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይሕግዝ’ዩ’ ዝበለቶ ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ሩዋንዳ ከተሰጋግሮም ዘፍለጠቶም ብዝሒ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ተጣበቕቲ መሰላት ብዘቕረብዎ ናይ ይግባይን ካልእ ሕጋዊ መስርሕን፣ እቲ ቁጽሪ ናብ 10 እዩ ወሪዱ ጸኒሑ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት እቲ ምስጓግ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉሎ።

ሓያሎ ካብቶም ክስጎጉ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ተወላዶ ቬትናም፣ ሶርያ፣ ኢራን፣ ኣልባንያን ካልኦትን ዝርከብዎም ምንባሮም ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0