ዋዕላ መድረኽ ምትሕግጋዝ ቻይናን ኣፍሪቃን ካብ 04 ክሳብ 06 መስከረም ኣብ ቤጂንግ ክካየድ’ዩ

RADIO ERENA – Monday, 02 September 2024

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ካብ 04 ክሳብ 06መስከረም፣ ኣብ ከተማ ቤጂንግ ዝካየድ ዋዕላ መድረኽ ምክትሕግጋዝ ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ናብታ ሃገር ይኣትዉ ኣለዉ።

ዕላማ እቲ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን፣ ኣብ ጸዓት፣ ክሌማ፣ ዕደናን ካልእ ጽላታትን ዘተኮረ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምዝታይዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ህንጻ፣ ዕደናን ጸዓትን ናይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ተካይድ ዘላ ቻይና፣ ነቲ ንልዕሊ 100 ዓመታት ብሃገራት ምዕራብ ተባሒቱ ዝጸንሐ ሕዛእቲ ጸጋታት ኣፍሪቃ ትሻመዎ ምህላዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ካብ ዕዳን ጸቕጥን ሃገራት ምዕራብ ከም ዘናግፍ ኣማራጺ ብምሕሳብ ናብ ቻይና ዘቛምታ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ትካላዊ መንግስቲ ከየቖማ፣ ውሽጣዊ ናይ ምምሕዳር ብቕዓትን ከይጸገናን ብልሽውና ከየወገዳን ዘምጽአኦ ለውጢ ከምዘየለ ዩ ዝትንተን።

ኣብ ንግዲ ብምትኳር መጽናዕቲ ዘካይዳ ትካላት ብዘቕርብኦ ጸብጻብ መሰረት፣ ናይ ኤርትራ ከም ኣብነት እትወሲድና፣ ኣብ 2022 ኤርትራ ናይ 412 ሚልዮን ዶላር ንግዳዊ ሰደድ ናብ ቻይና ክትገብር እንከላ፣ እቲ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዚንጎ፣ 192 ሚልዮን ዶላር ድማ ነሓሰ የጠቓልል።

ኣብ 2017፣ ኤርትራ ናብ ቻይና እትልእኮ ዝነበርት ነገራት 157 ሚልዮን ዶላር ዩ ኔሩ።

ቻይና ንዝበዝሐ ናይ ዕደና ወፍሪታት ኤርትራ እናተቖጻጸረቶ ኣብ ዝመጽኣትሉ ግና፣ እቲ ኣብ ዕደና ዘድሃበ ሰደድ ኤርትራ፣ ኣብ 2022 ብልዕሊ 21% ዛይዱ።

ቻይና ብወገና ናብ ኤርትራ፣ ከም ናይ ህንጻ ማሺነሪታት፣ ናይ ህንጻ ኣቝሑን ጎማ መካይን ክትልእኽ እንከላ፣ ኣብ 2022፣ ኣስታት 148 ሚልዮን ዶላር ዩ ተገምጊሙ።

ኣብ 2017 ካብ ዝነበረ ናይ ኣስታት 43 ሚልዮን ዶላር መጠን ሰደድ ኣብ 2022 28% ምዕባይ ድማ፣ ንግዳዊ ልውውጥ እዘን ክልተ ሃገራት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ የመላኽት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0