RADIO ERENA – Thursday, 19 December 2024
ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገርን፡ ጀነራል ሙሆዚ ካይነርጉባ፡ ንሱዳን ክንወራ ኢና ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ንዝጠቅዖ መግለጺ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓትተሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ጽዊዑ።
እቲ፡ ን38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ኣቡኡ ብምትካእ፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ጀነራል፡ ‘ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ስልጣን ፕረዚደንት ምስ ተረከበ፡ ንሱዳን ኣብ ሓጺር ግዜ ወሪና ንከተማ ካርቱም ክንቆጻጽራ ኢና‘ ክብል ‘ዩ፡ ብ18 ታሕሳስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ለጢፉ።
ንሱ ነዚ ዝለጠፈ፡ ሒደት መዓልታት ድሕሪ‘ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምኳድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምምይያጡ‘ዩ።
መግለጺ እቲ ጀነራል፡ ‘ተጻባኢን ሓደገኛን‘ዩ‘ ዝበለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ ዝዘርግ ብምዃኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድባትን ክኹንነኦ ተማሕጺኑ።
ጀነራል ካይነርጉባ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝጠቖዖ ተጻባኢ ምዃኑ ሱዳን ዝጠቐሰቶ መግለጺ ድሒሩ ደምሲስዎ‘ዩ።
እቲ ኣብ ዕለተ ልደቱን ካልእ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታትን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘጥፍእ ዝንገረሉ ወዲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ተደጋጋሚ እዋን ንሃገራትን መራሕቲ ሃገራትን ዘነኣእስ፡ ዘቆናጽብ፡ ዘናሹን ዘፈራርሕን ከምኡ ድማ ቀንጠ መንጢን ዝሓዘ መልኽታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከምዝጽሕፍ ይፍለጥ።
ካብ 1986 አትሒዙ ንኡጋንዳ ን38 ዓመታት ዝመርሐ፡ ወዲ 80 ዓመት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፡ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሸይምዎ ንዘሎ ወዲ 50 ዓመት ዝኾነ ቦኽሪ ወዱ፡ ጀነራል ሙሆዚ ካይነርጉባ ከምዝትክኦ ብሰፊሑ ይዝረብ።
===============
COMMENTS