ወናኒት ሃገራዊ ክብረ ወሰን ማራቶን ኤርትራ፡ ናዝሬት ወልዱ፡ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ወሲዳ ብዝብል ጥርጣረ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ተኣጊዳ

RADIO ERENA – Wednesday, 19 June 2024

ኣሃዱ ቅንዕና ኣትለቲክስ፡ ንኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ንኸይትሳትፍ፡ ንግዚኡ ኣጊድዋ።

እቲ ኣሃዱ ትማሊ ሰሉስ18 ሰነ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ከም ዘስፈሮ፡ ናዝሬት ንዓንቀጽ 2.4 ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምጥሓስ ተኸሲሳ እያ፡ ጉዳያ ተጻርዩ ውሳነ ክሳብ ዝወሃቦ፡ ንግዚኡ ተቐጺዓ።

ዓንቀጽ 2.4 ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት፡ ምስ ሓበሬታ ዘለኻዮ ቦታ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ሓደ ኣትሌት፡ ንምርመራ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምእንታን ክምእምእ፡ ኣብ ዝተቐመጠሉ መቓን ግዜ፡ ህሉው ኣድራሽኡ፡ መደባት ልምምዱ፡ ውድድሩን መገሻታቱን ከፍልጥ፡ ለውጢ እንተሎ ኣብ እዋኑ ክሕብር፡ ንመርመራ ይርከበሉ እየኢሉ ኣብ ዝፈለዮ ሰዓት ድማ ክርከብ ይእዝዝ።

ብተወሳኺ እቲ ኣትሌት፡ ህላውነቱን መደባቱን ዝሕብረሉ ደረት መቓን ግዜ እንተኣኽበረ ከኣ፡ ዘይምሉእ፡ ጌጋ ወይ ንኽትረኽቦ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዘይንጹር ኣድራሻ ግዝያዊ መዕረፊ ወይ መለማመዲ ቦታን ግዜን ንኸይህብ ይእዝዝ። ነዚ ሕጊዚ ኣብ ውሽጢ 12ኣዋርሕ 3 ግዜ ዝስዕር ኣትሌት፡ ንክልተ ዓመታት ንኸይወዳደር ዝእገድ ክኸውን ከሎ፡ ከም መጠን ክብደት እቲ ጥሕሰት ሕጊ፡ ብውሕዱ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ ከም ዝኽእል እቲ ኣሃዱ ኣብ ሕጋጋቱ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ወናኒት ሃገራዊ ክብረ ወሰን ማራቶን ኤርትራ ጓል 34 ዓመት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ንውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ኦስትርያ፡ ብ2 ሰዓታት፡ 24 ደቓይቕን 8 ካልኢታትን ብምዕማም ኣብ ዝተዓወተትሉ፡ ዝመጽእ 11 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝግበር፡ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ‘ፓሪስ 2024’ ዘቐዳድማ ትኬት ከም ዘውሓሰት ዝዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት እዚ ተዋሂብዋ ዘሎ ግዝያዊ መቕጻዕቲ ግን፡ ተሳትፎኣ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0