ኮቪድ 19 ዘጎናደቦ ዓለምለኻዊ ቱሪዝም እንደገና ይበራበር

Radio Erena: Friday, 15 December 2023

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ቱሪዝም ዓለም፣ ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም 2023 ዝነበረ ግዜ፣ 975 ሚልዮን በጻሕቲ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ምብጻሕ ኣካይዶም።

እዚ ቁጽሪ ኣብ ተመሳሳኪ መቓን ግዜ ናይ 2022 ካብ ዝነበረ ብ 38 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ስፍራታት በጻሕቲ ዓለምና፣ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ቅድሚ ኮቪድ 19 ማለት ኣብ 2019 ካብ ዝነበረ ቁጽሪ፣ ብ 22 ሚእታዊት ዝዛይድ ቁጽሪ በጻሕቲ ከምዘተኣናገዱ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ካብ ቅድሚ ኮቪድ ዝነበረ ቁጽሪ በጻሕቲ ብ91 ሚእታዊት ሕውየት ከምዘርኣየ የመልክት።

እዚ ድማ ኣብ ምዝዛም ናይዛ ዓመት ምስ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምንጽጻር ቱሪዝም ብ 90 ሚእታዊት ናብ ዝነበዎ ክምለስ ትጽቢታት ይግበር።

ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ኣታዊታት ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ኣብ 2023፣ 1.4 ትሪልዮን ዶላር ክበጽሕ’ዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ክሳብ መስከረም 2023፣ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ዝነበረ ደረጃታት ብ20% ዝልዕል ቁጽሪ በጻሕቲ ብምትእንጋድ ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቱሪዝም ዝተኻየደሉ ዞባ ኮይኑ’ሎ።

ቪዛ ብቕልል ዝበለ መስርሕ ምዕዳል፣ ምኽፋት ከምኡ ውን ምሕዳስ ናይ በጻሕቲ ቦታታት፣ ወፍሪ ኣብ ሓደስቲ ምስ ቱሪዝም ዝተኣሳሰሩ ፕሮጀክትታት፣ ምእንጋድ ዓበይቲ ፍጻመታትን ኩነታት ጸጥታ ከባቢ ምውሓስን፣ ወፍሪ ቱሪዝም ንምምዕባል ካብቶም ሓገዝቲ ዝበሃሉ ነጥብታት’ዮም።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኤውሮፓ 550 ሚልዮን በጻሕቲ ከተአንግድ ከላ፣ እዚ ማለት 56 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ በጻሕቲ ናይዚ ዓመት ይሽፍን።

ደቡብ ኤስያ ካብቲ ቅድሚ ለበዳ ዝነበረ ደረጃ ብ95% ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከሎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያ ግን ብሰንኪ ዝነበረ ምስ ኮቪድ 19 ዝተሓሓዝ ጽኑዕ ሕግታት 50% ጥራይ ናብ ዝነበሮ ቁጽሪ ተመሊሱ’ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ቅድሚ ኮቪድ 19 ዝነበረ ኩነታት ብምንጽጻር፣ ኣብዚ 9 ኣዋርሕ ዝተራእየ ቁጽሪ በጻሕቲ ብ 92 ሚእታዊት ሕውየት ኣርእዩ’ሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0