Radio Erena: 10 November 2021
ኮማንዶ ምዃኖም ዝተገልጹ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ዝጸዓና ነፈርቲ ናብ ዓሰብ ክዓልባ ከምዝቐንያ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ተልእኾ ናይቶም፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሽዱሽተ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ናብ ዓሰብ ዝዓለቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ኣይተፈልጠን።
እንተኾነ ብናይ ኤርትራ በጣሓት ተጻዒኖም፣ ናብ ክልል ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ ከባቢ ቡረ ከምዘምርሑ እቶም ነዚ ሓበሬት ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።
እቶም ወትሃደራት ብወገን ኤርትራ ኣቢሎም ናብ ከባቢ ቡረ ከምዘምርሑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ሚሊ ንምቁጽጻር፣ ብወገን ክልል ዓፈር መጥቃዕታቶም ኣብ ዝቕጽልሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።
ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲመን’ውን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ የገዓዕዛ ምንባረን ተሓቢሩ’ዩ።
ስእሊ፣- መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ካብ ኣርካይቭስ ትዊተር Yemane G. Meskel @hawelti
================