‘ክሳብ ንዕወት ኵናት ክቕጽል’ዩ።’ ፕረዚደንት ሶማል

Radio Erena: Thursday, 14 September 2023

ኣንጻር ኣልሸባብ ዝጀመሮ ካልኣይ መድረን ወሳኒን መጥቃዕቲ ከምቲ ዝተጸበዮ ክዕወተሉ ዘይክኣለ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሃሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሕጂ’ውን ኵናት ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጥ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግንባራት ዑደት ብምክያድ ንሰራዊት ሃገሩ ዝሃቦ ሞራል ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣልሸባብ ወሰንቲ ቦታታት ምስ ተቖጻጸረ’ዩ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ደጊሙ ኣልሸባብ ንዝተቖጻጸሮ ከባቢታት ቀሸት ኮስወይን ንምምላስ፣ ብ11 መስከረም ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ከይሰለጦ ከንሳሕብ ከምዝተገደደ ድምጺ ራድዮ ኣመሪካ ሓቢራ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ድሕሪ ምንስሓን ሰራዊት ሶማል ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓደ ቦታ ስለዝሓደግና ወይ ድማ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ስለዝተጋውሐ፣ ኵናት ደው ከነብል ኢና ማለት ኣይኮነን ክብል ምግላጻ እታ ራድዮ ጠቒሳ።

ንሱ ወሲኹ፣ ኵናት ክሳብ መውዳእታ ክቕጽል’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ዘገድስ ኣብ መወዳእታ ዓወት ምጉንጻፍ ስለዝኾነ እዚ ድማ ከነተግብሮ ኢና ኢሉ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ፣ ሰፊሕ ከባቢታት ካብ ኣልሸባብ ክምንዝዕ እኳ እንተኸኣለ፣ ነቲ ሽበራዊ ምዃኑ ዝግለጽ ዕጡቕ ንምድምሳስ ኣብ ዝተበገሰ ካልኣይ መድረኽን ወሳኒን ኵናት ግና ጽቡቕ ክግስግስ ከምዘይክኣለ ‘ዮም ወትሃደራውያን ተንተንቲ ዘረድኡ።

ኣልሸባብ ዳግመ ምውድዳብ ብምክያድ፣ ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ንዝተፈነወሉ መጥቓዕቲ፣ ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ኣቐዲሙ ዝሓደጎ ሓያሎ ከባቢታት ደጊሙ ክቖጻጸር ክኢሉ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ዞባታት ሒርሸቤሌን ጋልምዱግን ንዝርከብ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታትን ገማግም ባሕሪን ምቑጽጻሩ፣ መንግስቲ ሶማል ንኣልሸባብ ንምድሳስ ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ቅድሚ ምጅማራ እዚ መጥቃዕቲ፣ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን’ዩ ተመባጺዑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0