ክላውድያ ሸንባም ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ሜክሲኮ

Radio Erena: Wednesday 05 , June 2024

 

ክላውድያ ሸንባም ኣብ 200 ዓመት ታሪኽ ሃገረ ሜክሲኮ ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ኮይና።

ንሳ ካብ 58.3% ክሳብ 60.7% ድምጺ ክትረክብ እንከላ፣ ሕጹይ ተቓዋሚ ዞቺትል ጋልቨዝ ካብ 26.6% ክሳብ 28.6%፣ ጆርጅ ኣልቫረዝ ማኔዝ ድማ ካብ 9.9% ክሳብ 10.8% ድምጺ ከምዝረኸቡ ተገሊጹ።

እቲ ንዓኣ ዝወከለ ሰልፊ ሞሬና ሸይንባም’ውን ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት ኮንግረስ ዝበዝሐ ድምጺ ይሕዝ።

ተማራማሪት ክሊማን ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ዝነበረት ሸንባም “ኩላትና ኢና በጺሕና፣ ምስተን ኣብ ዓድና ዘለዋ ኣናብስ፣ ምስ ኣዴታትና፣ ኣዋልድናን ደቂ ደቅናን”ብምባል ደቂንስትዮ ናብ ስልጣን ክመጻ ዘለዋ ህንጡይነት ገሊጻ።

ሜክሲኮ ካብተን ኣብ ሃገራዊ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ዝበዝሓ ደቂንስትዮ ዘለወን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።

ካብተን 32 ግዝኣታታ 10 ደቂንስትዮ ኣመሓደርቲ ኣለዋ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0