ኬንያ፣ 600 ሰራሕተኛታት ናብ ጂቡቲ ክትልእኽ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena: Wednesday, 14 June 2023

ኬንያ፣ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ኣስታት 600 ሰራሕተኛታት ናብ ጂቡቲ ክትልእኽ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ተሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ጂቡት ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ምስ ጁቡታዊ መዘንኡ እስማዒል ዑመር ገለ ብምርዃብ፣ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ኣብ ዝኸተምዎ ስምምዓት’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብቲ ብ11 ሰነ ዘካየድዎ ርክብ፣ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ስምምዓት ከምዝኸተሙ ዘመልከተ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዜጋቶም ብዘይ ቪዛ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ፣ ኬንያ 300 ተማሃሮ ጂቡቲ ክትቕበል፣ ጂቡቲ ን600 ኬንያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ክትከፍት ዝብል ይርከቦ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ ጂቡቲ ናብ ስራሕ ዝዋፈሩ ሞያውያን፣ መማህራን ምዃኖም’ዮም ተጠቒሱ።

ብዶብ ዘይዋሰና ኬንያን ጂቡቲን ዝምድንአ ብዝያዳ ንምትእስሳር፣ ካብን ናብን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንምጅምራ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታት’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዘትይሉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0