ካናዳ፣ ብቕትለት ኤርትራዊ መንእሰይ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ይህደን ኣሎ

Radio Erena: 29 December 2022

ኣብ ካናዳ፣ ፖሊስ ካልጋሪ፣ 24 ዓመት ንዝዕድሚኡ፣ ሳሙኤል ወልዳይ ሃይለ ንዝተባህለ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠረ፣ ዮሴፍ ሓጎስ ዝተባህለ መንእሰይ ይህደን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ወዲ 22 ዓመት ዝኾነ ጥርጡር፣ ኣብ 25 ታሕሳስ፣ ልደት መዓልቲ፣ ምስ ካልኦት ብጾቱ እናተዘናግዑ እንከለዉ’ዩ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ብጥይት፣ ብኣሰቃቒ ኣገባብ ቀቲልዎ።

ህዝቢ፣ ነቲ ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት ኣብ መላእ ካናዳ ዝህደን ዘሎ ዮሴፍ ኣብ ምርካብ ክተሓባበር ፖሊስ ኣብቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ህዝብዊ ጻዒት ተማሒጺኑ።

እቲ ጥርጡር፣ ብረት ዝዓጠቐን ሓደገኛ ተጻባኢን ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ኣብ መጸዋዕትኡ ኣጠንቒቑ።

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0