ካናዳ፣ ሓደ ኤርትራዊ ንኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኤርትራዊት ብኻራ ቀቲሉ

RADIO ERENA – Monday, 28 October 2024

ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ኦታዋ፣ ሓደ ኤርትራዊ፣ ንኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኤርትራዊት ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተለ መርበብ ዜና ኦታዋ ሲትዘን ሓቢሩ።

እታ ብርኽቲ በርሀ ዝተባህለት ጓል 36 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ፣ ብሓሙስ 24 ጥቅምቲ፣ ንክልተ ደቃ ኣብ ፓርክ ኣብ እተጻውተሉ ዝነበረ እዋንዩ፣ ፍስሃ ተኽለ ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ኤርትራዊ፣ ተጸናጺኑ ብኻራ ደጋጊሙ ወጊኡ ቀቲሉዋ።

እታ ኣደ ክትቅተል እንከላ፣ ካልኦት ክልተ ደቃ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝነበሩ ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣኽባር ሕጊ ኦታዋ፣ ንፍስሃ ተኽለ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ኣደ፣ ምስ ጾታ ብዝተሓሓዝ ቅትለት ወይ ፈሚሳይድ ፈጺሙ ዝብል ክሲዩ መስሪትሉ ዘሎ።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0