ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ

Radio Erena: 26 April 2019

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ንኹለን ጨናፍር ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝወሉ ጳጳሳት፣ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህዝብና ብውግእን ብኻልእን ዝመጸ ጸገማትን ሃለዋት ሃገርና ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ’ዩ ኔሩ ድሕሪ ምባል፣ ዋሕዚ ስድራቤታት ናብ ስደት ንምፍዋሱ ዝተገብረ ዝኾነ መደብ ወይ ኣገባብ ስለዘይተዘርግሐ፣ ንመጻኢ ህልውና ሃገር ከይተረፈ ብዘሰከፍ መልክዑ ዋሕዚ ሰባት ይቕጽል ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዕርቀ- ሰላም ምስ ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕርቀ-ሰላም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና’ውን ከምዘድሊ ዘስመርሉ እቶም ጳጳሳት፣ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል ጭርሖ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ብግብሪ ክርአ ከምዝግባ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ኣስማቶምን ክታቶሞን ምስፋር ነቲ መልእኽቲ ዘርግሑ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣባ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ ካብ መንበረ ኣስመራ፣ ኣባ ቶማስ ዖስማን ካብ መንበረ ባረንቱ፣ ኣባ ኪዳነ የዕብዮ ካብ መንበረ ከረን ከምኡ ድማ
ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ካብ መንበረ ሰገነይቲ’ዮም።

ጽሟቛ ትሕዝቶ ናይቲ በዞም ጳጳሳት ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ንምንባብ ኣብዚ ( ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዕርቀ- ሰላም )ጠውቑ።

ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዕርቀ- ሰላም

ጽሟቅ ትሕዝቶ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

================