ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ጽርግያ ሞይቱ ተረኺቡ

RADIO ERENA – Thursday, 06 February 2025

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ፣ መካይን ብናህሪ ኣብ ዝሕንበባሉ ሰፊሕ ጽርግያ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ሞይቱ ተረኺቡ።

ብሰሉስ፣ 04 ለካቲት፣ ወጋሕታ ሰዓት 500፣ ሓደ መራሒ ናይ ጽዕነት መኪና፣ ነቲ ሬሳ ኣብ ማእከል ጽርግያ ወዲቑ ምስርኣዮ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ፖሊስ ከምዝደወለ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ኣማውትኡ ምጽራይ ይግበረሉ ምህላዉ ገሊጸን።

እቲ ኤርትራዊ ምዃኑ እምበር ካልእ ንመንነቱ ዘነጽር ዝርዝር ሓበሬታኡ ዘይተጠቕሰ መንእሰይ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኡ እናኻደ ጸዲፉ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ሳሕቲውን ናብቲ መካይን ብናሕሪ ዝሕምበባሉ ጽርግያ፣ በእጋሮም ንምስጋር ዝፍትኑ ሓተቲ ዑቕባ ስለዘለዉ፣ እቲ ኤርትራዊ፣ ብመኪና ተገጭዩ ክኸውን ይኽእልዩ።

ዓመተ 2025 ካብ እትጅምር፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ከባቢ ካሌ ካብ ዝተኣኻኸቡ ሓተቲ ዑቕባ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብምጥሓልን ሓደጋ መካይንን ናይ ሓሙሸት ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕውን፣ ብናይ ጎማ ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ካብ ዝተበገሱ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ናይ ምጥሓል ሓደጋታት፣ ብውሕዱ 30 ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0