ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ሞይቶም

RADIO ERENA – Thursday, 05 September 2024

ካብ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብንእሽቶ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ 12 ሓተቲ ዑቕባ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ ዘሎ ሓበሬታ መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ዮም።

እታ ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጃልባ፣ 15 ሰባት ያ ጽዒና ኔራ።

ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት መስርሕ ምድላይ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ጀራልድ ዳርማና፣ እዚ ብ03 መስከረም ዘጋጠመ ሓደጋ፣ መቐጸልታ ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዩ ክብል ጠቒሱ።

ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2023 ኣትሒዞም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም ዝነበራ መደብ፣ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጅዩምን ክብእስ ከምዝኽእል ክግለጽዩ ጸኒሑ።

ኣብዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ፣ ኣስታት 2000 ሓተቲ ዑቕባ፣ በዚ መንገዲዚ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣሽሓት ካልኦትውን ንምስጋር ኣብ ምጽባይ ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0