ካብ ጂቡቲ ናብ የመን፣ ብጃልባ ዝሰግሩ ዝነበሩ ልዕሊ 39 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

RADIO ERENA – Wednesday, 12 June 2024

ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ተበጊሶም ናብ የመን፣ ብጃልባ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብ11 ሰነ ሓቢሩ።

እታ ጃልባ፣ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ልዕሊ 250 ስደተኛታት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽዒና ምንባራ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ ልዕሊ 49 ሰባት ከምዝሞቱ ከረጋግጻ እንከለዋ፣ ናይ ልዕሊ 140 ሰባት ሃለዋት ግና ኣይተፈልጠን።

ዛጊት ብህይወት ድሒኖም ዘለዉ ኣስታት 70 ጥራይ’ዮም።

እታ ጃልባ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ፣ ዝተጸቓቐጡ ስደተኛታት ጽዒና ብምንባራ እቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘጋጠመ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብጀላቡ ናብ ጂቡቲ ብምስጋር፣ ናብ ዓዶም ክመልስ ቀንዩ’ዩ።

ብኣንጻሩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምስጋር ዝሕልኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ናብ የመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስጋር ይቕጽልዎ ምህላዎም ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0