ካሜሩን ወዲ 90 ዓመት ፕረዚደንት ስልጣኑ ናብ ወዱ ከሰጋግር

Radio Erena: Thursday, 14 December 2023

ኣብ ካሜሩን ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ወዲ 90 ዓመት፣ ፕረዚደንት ፓል ቢያ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ፍራንክ ኢማኑዌል ቢያ ዝተባህለ ወዱ ክውክሎ ከምዝኽእል መርበባት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ወዲ 52 ዓመት ፍራንክ ቢያ፣ ሃብታም ነጋዳይ ኮይኑ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ዝዋሳእን ዓቢ ጽልዋ ዘለዎን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ንካሜሩን ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ፖል ቢያ፣  ኣብዚ እዋን’ዚ ብምድፋእ ዕድመን ኩነታት ጥዕናን፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ምስታፉ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ድማ’ዩ፣ ፍራንክ ቢያ ንኣቡኡ ክትክእ ከምዝኽእል ዝተጠቐሰ።

ፍራንክ ቢያ፣ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ‘ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጸ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ዝነበሮ ንጥፈታት ብምዝያድ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይቐላቐል ብምህላዉ ግና ንኣቡኡ ክትክእ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ይትንተን።

ፖል ቢያ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ መራሕቲ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፣ ብዕድመ እቲ ዝሸምገለ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሐ ብዝሒ ዓመታት ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት       ኣኳቶርያ ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ብ44 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ፖል ቢያ፣ ብ42 ዓመታት፣ ደኒስ ሳሱ ንጌሱ ናይ ኮንጎ ብራዛቪልን ንጉስ ምስዋቲ ናይ ኣኢስዋቲኒን፣ ነፍሲ ወከፎም ብ36 ዓመታት፣  ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብ35 ዓመታት፣ ሻዱሻይ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኤርትራ፣ ብ32 ዓመታት ተመራሪሖም ኣለዉ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0