ካሌ፡ ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ ሓደ ሰብ ሞይቱ

RADIO ERENA – Wednesday, 24 July 2024

ሓተቲ ዑቕባ ጺዒና፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ካሌ ናይ ፈረንሳ፤ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ ብምጥሓላ ሓደ ከምዝሞተ ፖሊስ ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

እታ ጃልባ ናብ 19 ሓምለ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ከምዝጥሓለት ዝሓበረ ፖሊስ ሰሜን ፈረንሳ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ብዝገበርዎ ጻዕሪ 85 ሰባት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

እታ፤ ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጃልባ፡ ካብ 10 ክሳብ 20 ሰባት ክትሕዝ ዝግብኣ፡ ልዕሊ ዓቕማ 86 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ብምንባራ፡ ጠንቂ ምጥሓላ ምዃኑዩ ተመልኪቱ።

ዜግነት ናይቲ ዝሞተ ይኹን ዝደሓኑ ሓተቲ ዑቕባ ኣይተነጸረነ።

ካብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝሕልኑ፤ አማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ፡ ከባቢታት ካሌን ዳንኬኽን ከምዝተኣኻኸቡ ይፍለጥ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ካብ ጥሪ 2022 ኣትሒዞም፡ ብጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዘይትግበር ድሕሪ ምግላጹ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ብገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ክንህር ከምዝኽእል ይትንተን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0