እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ትሰጋገር

Radio Erena: Friday 27 October 2023

እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ኣንጻር ሓማስ ኣብ ጋዛ ንምእታው፣ ናይ ፈተነ ኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ዘጋርድያን ሓቢራ።

እዚ ድማ ንዝያዳ ቀጻሊ መጥቃዕቲ መሬት ንምድላው ዝዓለመ ናይ መርመራ ስጉምቲ ተባሂሉ ተገሊጹ።

ብታንክታትን ዕጥቃዊ ቡልዶዘራትን ዝድገፉ ኣጋር ሰራዊት ብለይቲ ብምእታው ንሰዓታት ዝኣክል ናብ ሰሜናዊ ክፋል ናይቲ ግዝኣት ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ ዒላማታት ሓማስ ኣጥቂዖም።

ኣብ ጋዛ ልዕሊ 7 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ዝሓበረ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ነቲ ናይ መሬት ወራር ንቕድሚት እንተደፊኣ ድማ እቲ ቁጽሪ ዝያዳ ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

እዚ ካብ ሓጹር ዶብ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ናብ ጋዛ ዝተሰጋገረ መጥቃዕቲ እስራኤል፣ ነቲ ዝጸንሐ ሰብ ኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0