እስራኤል፣ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ክትውስኽ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ

RADIO ERENA – Monday, 22 July 2024

ነፈርቲ እስራኤል፣ ብቀዳም 20 ሓምለ፣ ኣብ ወደብ ሖደይዳ ድሕሪ ዘካየድኦ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 9 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 90 ድማ ቆሲሎም።

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ ዘካየደት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ሑቲ፣ ብዓርቢ ዝወንጨፎ ድሮናት፣ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሓደ ሰብ ምቕታሉን፣ 10 ድማ ምቑሳሎምዩ።

ኢራን ናብ ሑቲ እትልእኮ ሚሳይላትን ድሮናትን ብመንገዲ ወደብ ሖደይዳ ከምዝኣቱ ያ እስራኤል ትወቕስ።

ኣብ የመን ንመጀመርያ እዋና መጥቃዕቲ ዘካየደት እስራኤል፣ ቀዳማይ ዒላማኣ ዝገበረቶውን እዚ ወደብዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትከያዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከተብል ዝውጽዕ ሑቲ፣ እስራኤልን ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ንዝበበለን፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብን ምጥቃዕ ከምዘየቋርጽዩ ዝገልጽ።

እስራኤል ብወገና፣ ኣድላዩ እንተኾይኑ፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ዝጀመረቶ ደብዳብ ክትቕጽሎ ከምእትኽእል ተጠንቅቕ።

ሑቲ፣ ናብ እስራኤል ተደጋጋሚ ድሮናትን ሚሳይላትን ዝውንጭፍ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕትኡ ብስርዓተ ምክልኻል ጸረ ሚሳይል እስራኤል ተሃሪሙዩ ዝመክን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0