ኒጀር፤ ኤኮዋስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየዱ ሓይልታት ማዕቀብ ኣንቢሩ

Radio Erena: Monday, 31 July 2023

ምትእኽኻብ ሓባራዊ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፤ ኣብ ኒጀር፤ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየዱ ሓይልታት ማዕቀብ ኣንቢሩ።

ኤኮዋስ፤ ብዓርቢ 28 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፤ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ እንተዘይመሊሱዎ፤ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ።

ፈረንሳ እውን ብወገና፤ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ኤምባሲኣ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምቅጻሉ፤ ድሕነት ዜጋታታ ንምሕላው ኣድላዪ ዝበለቶ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ ከምዘላ ገሊጻ።

ነቲ ብወተሃደራውያን ሓይልታት ዝተኻየደ ዕልዋ ደገፎም ዝገልጹ ዝነበሩ ሰልፈኛታት፤ ባንዴራ ሩስያ ብምልዓል፤ ‘ዓወት ንፑቲን፤ ውድቀት ንፈረሳ’ ዝብል ጭርሖታት ከስምዑ ውዒሎም።

ፕረዚደንት ባዙም ብረቡዕ 26 ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፤ ኣብታ ሃገር ጸጥታዊ ስግኣት ሰፊኑ ምህላዉ፤ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ።

ሓላፊ ናይቲ ንፕረዚደንት ዝሕሉ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ጀነራል ዓብዱራሕማን ትያኒ፤ ንገዛእ ርእሱ ከም ፕረዚደንት መዚዙዋ ኣሎ።

ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር፤ ሓንቲ ካብ’ተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0