RADIO ERENA – Monday, 16 September 2024
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፣ ናብ ኵናት ቓዛ ንዝወፍሩ ሓተቲ ዑቕባ፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ዘኽእል መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ሃረጽ ዝተባህለት መርበብ ዜና ሓቢራ።
እታ ካብ እስራኤል እትዝርጋሕ መርበብ ዜና ብዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፣ ብዛዕባ‘ቲ ጉዳይ ምስ ክኢላታት ሕጊ ብምምይያጥ፣ ብዝተወደበን ብዝጸፈፈን መንገዲ ክትግበር ዝኽእል እንተደኣኮይኑ ከምዝመኸሩ‘ያ ጠቒሳ።
እቲ ብሃረጽ፣ ብሰንበት 15 መስከረም፣ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ የጋውሐኦ እኳ እንተለዋ፣ ብወገን መንግስቲ እስራኤል ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ግን ዛጊት የለን።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
እንተኾነ፣ መንግስቲ እስራኤል ንሒደት ኤርትራውያን እንተዘይኮይኑ፣ ናይቶም ዝበዝሑ፣ ዘቅረብዎ ሕቶ ዑቕባ ውዱእ መልሲ ከይሃበ፣ ኣብ ጠልጠል ሓዲግዎ ዝርከብ።
ካብዚ ሓሊፉ‘ውን እቲ መንግስቲ፣ ንኣሽሓት ኤርትራውያን በብእዋኑ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ከምዘሰጋገሮም ኣይርሳዕን።
==================
COMMENTS