ኤርትራ ብብልሽውና ምስተን ቀዳሞት 20 ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ካብ 173 ሃገራት እታ ብብልሽውና ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ሶማል ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ 17 ደረጃ ጥራይ ድሒራ፣ ምስ ቀዳሞት 20 ተሰሪዓ ኣላ።

እታ ብብልሽውና ዘይርኣየላ ሃገራት ተባሂላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ነርወይ ክትከውን እንከላ፣ ሃገራት ስካንዲናቭያን ኤውሮጳን ድማ ንነርወይ ስዒበን ድማ እተን ብልሽውና ብዙሕ ዘይረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይነን ኣለዋ።

 

ኣብ ኤርትራ፣ መጻንዕቲ ንምክያድ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ባንክ ዓለምን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ናይ ምስራሕ ኦድል ዝረኸቡ ኣካላትን ብዝተኣከበ ጸብጻባትን’ዩ ኤርትራ ምስ ቀዳሞት 20 ብብልሽውና ዝተቖማጥዓ ሃገራት ክትስራዕ ኣኽኢሉዋ።

ባጀት መንግስቲ ብወግዒ ዘይግለጽ ምዃኑ’ውን ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታት ብልሽውና’ዩ።

ደሞዝ ዘለዎ ምዱብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ካብ 2 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ስራሕ ክዋፈር ዝግብኦ ዓያዩ ጉልበት ብምዃኑ፣ እቲ ዝበዝሐ ብብልሽውና ጉልበቱ ይባኽን ከምዘሎ ይጥቐስ።

ንብልሽውና ዝቖጻጸር ናጻ ኮሚሽን’ውን ኣብ ኤርትራ የለን።

=====================================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0