ኤርትራ ቀይዳቶም ዝጸንሐት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ኣፋንያ

RADIO ERENA – Wednesday, 03 July 2024

ኤርትራ ቀይዳቶም ዝጸንሐት 38 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብሰንበት 30 ሰነ፡  ናብ ሃገሮም ኣፋንያ።

እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንክልተ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ ሰብ መዚ የመንን መራሕቲ ውድባት ገፈፍቲ ዓሳን ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ንሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ነጻ ድሕሪ ምልቃቖም ናብታ ሑቲ ዝቆጻጸራ ከተማ ሆደይዳ ኣትዮም፡ ንዕኦም ተኸቲሎም ውን ካልኦት29 ገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ምልቃቖም ብድምር ኣብዚ ወርሒ ኣስታት 118 ገፈፍቲ ዓሳ ብኤርትራ ተፈቲሖም ኣለዉ።

ድሕሪ ምፍታሕ ናይዞም ትማሊ ረቡዕ ናብ ዓዶም ዝተሰዱ 38 ገፈፍቲ ዓሳ፣ ካብ ቃሎም ዝተረኽበ ምስክርነት ከም ዝሕብሮ ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብጠቕላላ ከም ዝተለቁ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብዘይ እኹል ቀረብ መግብን ማይን ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ዕዮ ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ሓደ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ገፋፊ ዓሳ ገሊጹ።

ኤርትራን የመንን፣ ብዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ዝነበረን ምስሕሓብ፣ ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ዳንነት መዕለቢ ክርከበሉ እኳ እንተኸኣለ፣ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝኽእሉ ክሊ ማይን ግና ብንጹር ከምዘይተመልከተ‘ዩ ብወገን የመን ዝጥቀስ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ናብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተመልከተ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም ንዝበሎም የመናውያን ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ክቕይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ስእሊ ፥ ካብ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0