ኤርትራ፣ ዝተናውሐ ምዕጻውን ጸልማትን ንህዝቢ የማርር

Radio Erena: 19 October 2020

ኣብ ኤርትራ፣ መብራህቲ ዘይምህላው ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ዓመታት ኣቝጺሩ’ዩ።

ስሩዕ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ኣብ ኤርትራ ክህልዉ’ዩ ዝብል ሓሳብ’ውን ዳርጋ ንዝበዝሐ ህዝቢ ተስፋ ዘቑረጸ መብጽዓታት መንግስቲ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብወግዒ ካብ ዝኣወጆ ሃገራዊ ውሸባ ወይ ምዕጻው ዜጋታት ከየልዓለ ሻውዓይ ወርሑ ኣቝጺሩ ኣሎ።

ህዝቢ ብዘይካ’ቲ ዘይጽወር ኮይንዎ ዘሎ ምረት ናብራን ሕሰምን፣ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ብስሩዕ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ኣደራዕ’ዩ።

ብፍላይ መብራህቲ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ካብ ዝነበሮ ብኢሱ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ኣብ ዝተናውሐ ምዕጻውን ጸልማትን ምንባር ከምዘማርር ጌርዎ ኣሎ።

ጠንቂ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ስእነት ነዳዲ ምዃኑ ይስማዕ’ዩ።

ነዳዲ ዘህልኽ መጓዓዝያ ዘየለ ክነሱ መንግስቲ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ነዳዲ ዝሰኣነሉ ምኽንያት ድማ ምስ ምዕጻው ወደባት ሓያሎ ሃገራት ዘተሓሕዝዎ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ይስዕብ ምህላዉ እንተዘይኮኑ፣ እቲ ዝሰዓበ ሃስያታት ይኹን ንምሕዋዩ ተታሒዙ ዘሎ መደባት ንህዝቢ ኣይገለጸን።

ዝሃነጸን ሓጽብታት፣ ዲጋታትን ጽርግያታትን ዝጽብጽብ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ክምዝገብ ምዃኑ ፕሮፖጋንዳታት ምንዛሕ ኣየቛረጸን።

ህዝቢ ብወገኑ ብዘይካ’ቲ፣ ጨኒቕዎ ዘሎ መዓልታዊ መነባብሮ እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ መጻኢ ሕውየት ቁጠባ ሃገር ክሓስበሉ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ከምዘየለ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት የመልክቱ።

ነቲ ኤርትራ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ክትርከብ’ያ ዝብል ፕሮፖጋንዳታት መንግስቲ ከኣ ከም ዳእላን መቐጸልታ ተዋስኦታት ናይቲ ስርዓትን ከምዝወስዶ እቶም ወገናት ጠቒሶም።

==============================