‘ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ክሊ ማይን ዝተዋህበ ኣህጉራዊ ብይን ትጥሕስ ኣላ’ ሑቲ

RADIO ERENA – Friday, 06 September 2024

ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ክሊ ማይን ብዝምልከት፣ ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዳንነት ንዝተዋህበ ብይን ትጥሕስ ኣላ ክብል፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሑቲ ናይ የመን ወቒሱ።

እቲ ሚኒስትሪ ናይቲ ወደብ ሖደይዳ ዝርከቦ ኣብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ብ23 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራ ነቲ ብይን ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዘይሕጋዊ ምእሳርን ምህጋር ንብረቶም ትፍጽም ኣላ ክብል ጠቒሱ።

ሑቲ ነዚ ወቐሳ ዘውጽእ ዘሎ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብኤርትራ ዝተታሕዙ 31 የመናውያን፣ ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ማእሰርቲ፣ ብ23 ነሓሰ፣ ተፋንዮም ብመንገዲ ወደብ ሖዴዳ ናብ ዓዶም ኣብ ዝኣተውሉ ኣጋጣሚዩ።

ኤርትራን የመንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ዘካየድኦ ረጽሚ፣ ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዳንነት፣ መዕለቢ ከምዝተገብረሉ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ብይን፣ ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ንየመን ክወሃብ እንከሎ፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክልቲኤን ሃገራት ግና ብዙሕ ዘከራኽር ነጥብታት ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያ ኣትዮም ንዝበለቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ክትኣስርን ንብረቶም ክትህግርን እንከላ፣ የመን ብኣንጻሩ፣ እቶም የመናውያን ብመሰረት ዝተዋህበ ብይን፣ ክገፍሉ ኣብ ዝተፈቕደሎም ክሊ ማይ እንከለዉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙያ ትወቕስ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ኮነ ምፍታሕ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ይኹን ብወገን የመን ንዝቐርብ ወቐሳታት ኣመልኪቱ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህብንዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0