Radio Erena: 18 April 2019
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ማእቶት ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት፣ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ምንቅስቓስ ሰራዊት፣ ካብን ናብን ንቡር ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ዚ ሳልስቲ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቓስቃስ፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ተሰነይ፣ ኣቑርደትን ካልእ ከባቢታት ምዕራብ ኤርትራን ጽልዋ ከይህልዎ ካብ ምስጋእ’ዩ ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎ ይግመት።
ካልኦት ወገናት ድማ እቲ ሰራዊት ብዘይዕረፍቲ ካብን ናብን ዝንቐሳቐስ ዘሎ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር ከየተኩርን ሕቶታት ከየለዓዕልን ካብ ምስጋእ ምዃኑ የመልክቱ።
ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ሓድሽ ርክብ፣ ብርክት ዝበለ ሰራዊት፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ ጽርግያታት ኣብ ምጽጋን ተዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ምጥያስ ይኹን ምፍናው ሰራዊት ከምዘይህሉ ኣቐዲሙ ከምዝተሓበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ “ወያነ ጠቕሊላ ክሳብ ትጠፍእ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣየተኣማምንን’ዩ ፣” ዝብል ምኽንያት’ዩ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃቦ ዘሎ።