RADIO ERENA – Tuesday, 25 March 2025
ኣብ ኤርትራ ዕደና ወርቂ ካልእ ማዕድናትን ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ዳህሳስን ኩዕታን ኣልፋ፣ 6 ሚልዮን ዝዋግኡ ብርኪ ንንኣሽቱ ትካላት ከከፋፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ነቲ ብርኪ፣ ንኣሽቱ ትካላት ወይ ውልቀሰባት ከከፋፍሎ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ዕደና ንምድንፋዕ ምዃኑ‘ዩ ገሊጹ።
ኩባንያ ኣልፋ፣ ነቲ ብርኪ ናይ ምክፍፋል ዕድል ክሳብ 9 ሚያዝያ ክፉት ጌርዎ ከምዘሎ ኣብቲ ብ21 መጋቢት ዘውጽኦ ምልክታ ጠቒሱ።
ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ 500 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ፣ ፕሮጀክት ዕደና ከርካሻ ዝውንን ኩባንያ ኣልፋ፣ ኣብ ከባቢታት ኣቡርናን ቴለጊምጃን ልዑል ዓቐን ዘለዎ ወርቂ፣ ነሓስን ዚንጎን ኣብ ምኹዓት ከምዝርከብ ‘ዩ ዝገልጽ።
ኩባንያ ኣልፋ 60% ናይቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ክውንን እንከሎ፣ 40% ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓዝኡ‘ዩ።
ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 14 ኩባንያታት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ቻይናን ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ዕደናታት ኣብ ምክይዳ ዝርከባ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኩለን እዘን ኩባንያታት 40% ብጽሒት ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዘካይድኦ ንጥፈታት ይኹን ኣታዊታቱን ወጻኢታቱን ንህዝቢ ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን።
=========================
COMMENTS