ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ብ14 ስፖርተኛታት ክትውከል’ያ

RADIO ERENA – Monday, 08 July 2024

ኤርትራ ኣብቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።

እቶም ብቑዕ መምዘኒ ግዜ (minima) ኣማሊኦም ወይ ከኣ ኣብ መሳልል ደረጃ ኣትሌታት ዓለም ዝሓሸ ደረጃ ሒዞም፡ ናብዚ ዓቢ ስፖርታዊ ውራይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣትሌታት 3 ደቂኣንስትዮን 7 ደቂተባዕትዮን ኮይኖም፡ ኣስማቶምን ዝቐዳደሙሉ መጠን ርሕቐት ወይ ከኣ ዓውዲ ጉያን ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

ኦሎምፒካውያን ራሄል ዳንኤል ኣብ 10 ሽሕ ሜትር፡ ናዝሬት ወልዱን ዶልሺ ተስፋይን ኣብ ማራቶን፡ ኦሎምፒካዊ ኣሮን ክፍለን ዳዊት ሰዓረን ኣብ 5 ሽሕ ሜትር፡ ሃብቶም ሳሙኤል ኣብ 5 ሽሕ ከምኡውን 10 ሽሕ ሜትር፡ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 10 ሽሕ ሜትር።

ትሌት ናዝሬት ወልዱ ዓንቀጽ 2.4 ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ጥሒሳ ብዝብል ክሲ ጉዳያ ክሳብ ዝምርመር ንግዚኡ ተቐጺዓ ብምህላዋ፡ ተሳትፎኣ ኣጠራጣሪ እዩ።

ኣብ ርእሲዞም ኣቐዲሞም ስሞም ዝተጠቕሱ ኣትሌታት፡ ካልኦት 14 ኤርትራውያንውን፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂተባዕትዮ ዘሳትፎም “minima” ዝረኸቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ሓንቲ ሃገር እንተበዝሑ3 ኣትሌታት ጥራይ ከተሰልፍ ስለ ዝፍቐዳ ግን፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብዞም 14 ኣትሌታት 3 ንምሕራይ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ካልእ መምዘኒታት እንተዘይኣተኣታትዩ፡ እቶም ብዘመዝገብዎ ዝበለጸ ግዜ፡ ክስለፉ ዝግብኦም 3 ቀዳሞት ኣትሌታት፡ ዑቕባይ ጸጋይ፡ ኦሎምፒካውያን ዑቕበ ክብሮምን ጎይትኦም ክፍለን እዮም።

ካብ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም UCI ዝተረኸበ ሓበሬታታት ከም ዘነጽሮ፡ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ቅድድም ብሽክለታውን፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖ ሜትር ብሓደ፡ ኣብ ውድድር ጽርግያ ድማ፡ ብኻልእ ሓደ፡ ብሓፈሻ ብክልተ ተቐዳደምቲ ክትወዳደር እያ።

ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ዙር ፈረንሳ ቢንያም ግርማይ ኣብ ውድድር ጽርግያ፡ ኦሎምፒካዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ድማ፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖሜትር ክስለፉ ትጽቢት ይግበር።

ካብ`ዚ ብተወሳኺ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድድም ነጻ ምሕምባስ 50 ሜትር፡ ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ብክርስቲና ሪች፡ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ ብኣሮን ገብረ ክትውከል እያ።

ብድምር ድማ 14 ስፖርተኛታት ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ‘ዮም።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0