ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልት ቅነ፣ ቀይዳቶም ዝጸንሐት 66 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ኣፋንያ

RADIO ERENA – Thursday, 16 May 2024

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 66 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ራስ ታርማ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ሖደይዳ፣ ናብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል ኮካ ናይ የመንዮም ተሰጋጊሮም።

እቶም 17 የመናውያን፣ ኣቐዲሞም ብ04 ግንቦት ናብ ዓዶም ክፋነዉ እንከለዉ፣ እቶም 49 ድማ፣ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፣ ብዓርቢ 10 ግንቦት ዮም ብተመሳሳሊ መንገዲ ስዒቦሞም።

እቶም የመናውያን፣ ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፣ ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ ዝጠቐሰ መግለጺ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ብግዴታ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፈሩ ምንባሮም ወቒሱ።

ኤርትራን የመንን፣ ብዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ዝነበረን ምስሕሓብ፣ ኣብ 1998 ብኣህጉራዊ ዳንነት መዕለቢ ክርከበሉ እኳ እንተኸኣለ፣ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝኽእሉ ክሊ ማይን ግና ብንጹር ከምዘይተመልከተዩ ብወገን የመን ዝጥቀስ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ናብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተመልከተ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም ንዝበሎም የመናውያን ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብእዋኑ ክቕይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 465 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ በብእዋኑ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ጸብጻብ መንግስቲ የመን የመልክት።

 ስእሊ ፥ ካብ  ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0