ኤርትራ፣ ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ መዓልቲ ናጽነት፣ ምርኢት ከቕርባ ኣብ ልምምድ ቀንየን

Radio Erena: 23 May 2019

ዓርቢ 24 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ክልተ ሄሊኮፕተራት ዝርከብአን ሽዱሽተ ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምርኢት ከቕርባ ኣብ ልምምድ ከምዝቐነያ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እንተን ኣብ ዝባነን ባንዴራ ኢማራት ዝተጠቀዐን ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብ ባጽዕ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ እናተመላለሳ ልምምድ ከካይዳ ከምዝቐነያ’ዮም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እንተኾነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ድሮ’ውን ተዳኺሙ ዘሎ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ሞራላዊ ውድቀት ከስዕብ’ዩ ዝብል ግብረ መልሲ ስለዝመጸ፣ እቲ መደብ ብዛዕባ ምትግባሩ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚዞም።

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ሰኣን መቀያየሪ ኣቑሑ፣ ዝበዝሓ ነፈርቱ ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃነን ይግለጽ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ሓደጋ ብዘጋጠሞም ሞት፣ ማእሰርትን ህድማን ምኩራት ኣብረርቲ፣ እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዳኸም’ዩ ጸኒሑ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Amanuel Yekalo 5 years ago

    Radio ERENA has proved the enemy of Eritrean People You are always reporting fake news!!

  • comment-avatar
    nakfa amlesom 5 years ago

    hasewety