ኤርትራ፣ ብፈኮስቲ ሲቪላዊ ገበናት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ናብ ታዕሊም ይወርዱ

Radio Erena: 26 April 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ከም ስርቂ፣ ባእሲን ካልእን ዝኣመሰለ ፍኵስ ዝበለ ሲቪላዊ ገበናት ፈጺሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ናይ ገበን እሱራት፣ ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ይወርዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዞም ካብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ናብ ከባቢ ዊዓ ከምዝወረዱ ዝተሓበረ ኣማኢት እሱራት፣ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ 5 ዓመታት ዝተፈርዱ ከምዝርከብዎም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እዞም ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዞም ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ወሪዶም ዘለዉ እሱራት፣ ደቀንስትዮ’ውን ከምዝርከብኦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ገሊኦም ካብዞም ናብ ታዕሊም ወሪዶም ዘለዉ እሱራት፣ ኣቐዲሞም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዞም ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኤርትራ ተገፊፎም ኣብ ዊዓ ኣብ ታዕሊም ምስ ዝርከቡ ብሓባር ተጸንቢሮም፣ ዘለዉ እሱራት፣ ወትሃደራዊ ሰልፊ ዝወሓዶ፣ ኣብ ስርሒት ዘድሃበ ታዕሊም ይወሃቦም ከምዘሎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

================