ኤርትራ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራታቱ ደው ከብል ዝደለየትሉ ምኽንያት ጉዳይ ምክልባት ገያሾ ዶ ወይ ፖለቲካዊ ውሳኔ?

RADIO ERENA – Wednesday, 24 July 2024

ኤርትራ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብ 30 መስከረም 2024 ኣትሒዙ ደው ከብል ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

እቲ ብስም በዓል መዚ ኣቭየሽን ኤርትር ዝወጸ መግለጺ: መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኣስመራ ንዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፡ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን ምኽንያታት ብምጥቃስ፡ እቲ ውሳኔ ከምዝተወስደ ጠቒሱ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ 2018፡ ብኡ ንብኡ፣ ካብን ናብን ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዓመታት ደው ኢሉ ዝርከብ መንገዲ አየር ኤርትራ ገዚፍ ብርኪ ብምውናን ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩዩ።

እንተኾነ ድሒሩ፡ ኣብ አስመራ ብናቕፋ ካብ ዝተሸጠ ትኬት ናይ ገያሻ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ብዶላር ክወስዶ ንዘቕረቦ ጠለብ ከምዘይሰመረሉ ኣመልኪቱ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘካይዶ ጉዕዞ፡ ናይ ትኬት መሸጣታት ዝተኣከበ፣ 2.5 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ናብ ካዝንኡ ከሰጋግሮ ከምዘይክኣለ ኣብ ሰነ 2023 ብወግዒ ተገሊጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ድሕሪዚ ክስተት እዚን ካልእ ምኽንያታትን፡ ዝበዝሐ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምዕዳግ ዝነበሮ ናይ ወፍሪ ውጥን ሰሪዙ።

ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ፣ ኣገልግሎታቱ ደው ኣቢሉ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ንምብርባር ካልኦት መሻርኽቲ የናዲ ከምዘሎ፣ ምስቲ ኩባንያ ቅርበት ንዘለዎም ወገናት ብምጥቃስ፣ ራድዮ ኤረና ኣብ 7ሰነ 2024 ምግላጻ ይዝከር።

ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ተብለሉ ዘላ ምኽንያት፡ ጉዳይ ምክልባት ገያሾ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ውሳኔ ምዃኑዮም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ዝእምቱ።

መንገዲ ኣየር ግብጺ፡ ልዕሊዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፈጺምዎ ዝብሃል ምክልባት ኤርትራውያን ገያሾ ዝፍጽም እኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ተቓውሞ ኣስሚዑ ኣይፈልጥንዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0