ኤርትራ፡ 75 ሚልዮን ዶላር ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር ኣለዋ

RADIO ERENA – Tuesday, 17 December 2024

ኤርትራ፡ ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር፤ ንዝነውሐ ዓመታት ብዘይምኽፋላ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ፡ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2024፡ ብደረጃ ዓለም፡ ንመንገድታት ኣየር ዘይተኸፍለ 1.7 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘሎ ኣስሚርሉ።

እቲ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ካብዚ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋህለለዩ።

193 ሚልዮን ዶላር፡ ዘይተኸፍለ ውህሉል ዕዳ መንገድታት ኣየር ዘለዋ ኣልጀርያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ፡ ፓኪስታን ብ311 ሚልዮን ዶላር ትመርሕ ኣላ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ 83 ሚልዮን ዶላር ክሳብ 73 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ውህሉል ዕዳዩ ዘለወን።

ትሽዓተ ሃገራት፡ ብድምር ን83% ናይቲ ዕዳ ከምዝሽፍና ዝጠቐሰ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር፡ ገሊኤን ሃገራት ካብ ሚያዝያ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዙሕ ክፋል ዕደአን ክኸፍላ ከምዝኸኣላ ኣረጋጊጹ።

ንኣብነት ኣልጀርያ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 286 ሚልዮን ዶላር ዝነበረ ዕዳኣ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ 193 ሚልዮን ዶላር ከተውርዶ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ካብ 149 ሚልዮን ዶላር ናብ 43 ሚልዮን ዶላር ከምዘውረደቶ እቲ ማሕበር የነጽር።

ንመንገድታት ኣየር ዘይከፈለቶ 75 ሚልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ዘለዋ ኤርትራ፡ ዕዳኣ ምስ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ እኳ አንተኾነ፡ ናይ ኤርትራ ፍሉይ ዝገብሮ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ዘይተኸፍለ ምዃኑዩ።

በዚ መምዘኒዚ፡ ኤርትራ፡ ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር፡ ንዝነውሐ ዓመታት ብዘይምኽፋላ፡ ኣብ ቀዳማት ደረጃ ክትስራዕ ክኢላ።

ስእሊ፡ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0