ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ 13 ሰነ ኣብ ዝጅምር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ክሳተፉ’ዮም

RADIO ERENA – Tuesday, 11 June 2024

ሓሙስ 13 ሰነ ኣብ ዝጅምር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝርከባ ክለባት ዝወዳደሩ ሓይሎ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ክሳተፉዮም።

እዚ ብተቐዳደምቲ ይኹን ኣፍቐርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብልዑል ህርፋን ዝበሃግ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝቓናዕ ውድድር፡ ብብሕቲ ዝካየድ ቅድድም ኮይኑ፡ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብደረጃታት ክሊ ዕድመ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ሲንየርን ዘወዳደርዩ።

ሰነዳት ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ወይ UCI ከም ዘረጋግጾ፡ ኣብዚ ዓመትዚ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ምስ ዝርከባ ክለባት ዝተጸንበሩ 18 ፕሮፌሽናል ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣለዉ።

ዛጊት ክንደይ ካብዚኣቶም ናብቲ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ከምዝወዳደሩ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም ሓያሎ ክሳተፉ ምዃኖምዩ ዝጥቀስ።

ዘውዲ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝደፍእ ተቐዳዳማይ፡ ብድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘሎ ሓደ ዓመት፡ ብባንዴራ ኤርትራ ዝማዕረገ ማልያ ለቢሱ ንምስላፍ ዘኽእሎ ክብሪ ስለ ዝረክብ፡ እዚ ውድድር፡ ብተሳተፍቲ ብሓፈሻ፡ ብፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ድማ ብፍላይ፡ ኣመና ተባሃጊ፡ ክቱር ህልኽ ዝንጸባረቐሉን ሓያል ቕልስ ዝካየደሉን ቅድድም እዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0