RADIO ERENA – Monday, 17 December 2024
ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ካልአ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይዋፈሩ ኣለዉ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣዝማድ ንምብጻሕ፡ ካብ ኤርትራ፡ ዱባይን ኡጋንዳን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሳንጣታት ኣቁሑት ብምታውን ምውጻእን፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ከምዝተዋፈሩ ‘ዩ ወቒሱ።
ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ን90 መዓልታት ዝጸንሕን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝህረምን ቪዛ ከምዝወሃቦም ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፡ ይኹንምበር ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ዝፍቀደሎም ግዜ ንላዕሊ ከምዝጸንሑ ኣመልኪቱ።
ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ይኹኑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ እንተደልዮም፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ስደተኛታትን ክምዝገቡ ንዝቐረበሎም ጻውዒት ሒደት ጥራይ ከምዝተቐበልዎ‘ዩ እቲ ሓበሬታ ዘገንዝብ።
‘ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ግፋን ማእሰርቲን ይካየድ ኣሎ‘ ንዝብል ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ኣብ ዘ ሪፖርተር ሰፊሩ ዘሎ መግለጺ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ጠቒሱ።
ናብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ብዙሓት ወጻእተኛታት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ፡ ዕጸ ፋርስ፡ ዕደናን ከም ምስናዕ ናይ ሓሶት ሰነዳትን ዝኣመሰለ ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይዋፈሩ ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ኣብ ዝሕዞም ናብ ሕጊ ከምዘቕርቦም ኣስሚርሉ።
ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ነዚ መግለጺ‘ዚ ዘውጽእ ዘሎ፡ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም፣ ብመንገዲ ቡሬ – ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ብራድዮ ኤረናን ድሕሪ ምቅልሑ‘ዩ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይብቭስ ኢንተርነት
=======================
COMMENTS