ኤርትራውያን ነበርቲ ኦስሎ፣ ኣንጻር ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 11 December 2019

ኣብ ነርወይ ከተማ ኦስሎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ “ሰላም ብግብሪ ደኣ ምበር’ምበር ብዘረባ ኣይትርከበን” ክብሉ፣ ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ንሳቶም ነቲ ሰልፊ ብ9 ታሕሳስ ዝወደቡ፣ ብምኽንያት እቲ ትማሊ 10 ታሕሳስ፣ ኣብ ኦስሎ ዝተኻየደ ምዕዳል ስልማት ሰላም ኖቤል’ዩ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ተዓዋቲ ስልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ እቲ ስልማት፣ ብስም እቲ ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ምትፍናን ንምህዳን፣ ንሰላም ጽብቕ ድሌት ዘርኣየ መሻርኽተይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ይቕበሎ ኣለኹ ክብሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ተበግሶ ሰላም ካብ ዝወሰድሉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ኣይወጸን።

ዶባት ክልትኤን ሃገራት ብሕጋዊ መንገዲ ዕጹው ከምዘሎ ይፍለጥ።

=================