ኤርትራን ግብጺን፣ ንሓድነት ሶማል ከምዝድግፉ ኣረጋጊጸን

RADIO ERENA – Monday, 16 September 2024

መንግስታት ኤርትራን ግብጽን፣ ንሓድነት ሶማል ከምዝድግፉ ኣረጋጊጾም።

እቶም መንግስታት ነዚ ዘረጋገጹ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ባድር ዓብደልዓጢ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ፣ ብ14 መስከረም፣ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ጋዜጣታት ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ኣብቲ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ግብጺ፣ ዓባስ ከማልውን ዝተረኽበሉ ናይ ኣስመራ ርክብ፣ ኣብ ህሉዉ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ብምትኳር ከምዝተመያየጡዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲማ ምስ ሶማል ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ዝኸተመት ግብጺ፣ ድሮ ሰራዊትን ኣጽዋርን ናብታ ሃገር ልኢኻ ኣላ።

ምስ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋንዚ ዝምድንኡ ምስታ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ጽቡቕ ከምዘየለ ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ሶማልውን ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተነበሮ፣ ድሕሪቲ ኣብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘተኮረ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ግና፣ ዝምድና ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ሻሕኪሩ ኣሎ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ምስሓብን ወጥርን እትርከብ ግብጺ ብግዲኣ፣ ነዚ ኢትዮጵያ ኣብ ውሻጠኣን ምስ ጎረባብታን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ወትሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውያን ጸቕጢ ክትፈጥረላ ትህቅን ከምዘላ ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0