RADIO ERENA – Thursday, 24 October 2024
ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ግጥማት ደስኪላ ዝጸንሐት ሃገራት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናይ ቀዳማይ እግሪ ግጥም መጻረዩ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ን31 ጥቅምቲ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተካይድ ምዃና ሴካፋ ኣፍሊጡ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናይ መልሲ ግጥመ ‘ውን፣ ን03 ሕዳር፣ ኣብ ከተማ ጁባ፣ ሃገራዊ ስታድዮም ክራኸባ ምዃነን‘ዩ ሴካፋ ሓቢሩ።
እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ቀዳማይን ካልኣይ ናይ መልሲን ግጥማተን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከካይዳሉ ዘይክኣላ ምኽንያት ኣይተጠቕሰን።
ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዝተዓወተት ሃገራት ጋንታ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ታንዛንያን ኣብ ዝካየድ ግጥም ምስ ተዓዋቲት ክትራኸብ‘ያ።
ኣብዚ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 መን ሓለፈ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ግጥም ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ፣ 11 ሃገራት ናይ መጻረዩ ግጥማት የካይዳ ኣለዋ።
መዛዘሚ ግጥማት ሴካፋ፣ ካብ 1 ክሳብ 28 ለካቲት ኣብ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ታንዛንያን ክካየድ ተሰሪዑ ኣሎ።
ስእሊ፣– ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================
COMMENTS