ኣፍሪቃ፣ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ፣ ድሕሪ በሺር ስዒቡ ዝእለ መን’ዩ? ኣብ ዝብል ኣርእስታት ትንታነታት ይቐርብ

Radio Erena: 16 April 2019

ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ መራሕቲ፣ ስዒቡ ዝእለ መንዩ’? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜናታት ትንታነታት የቕርባ ኣለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብህዝባዊ ናዕብን ዕልዋን ከምዝዝተኣልዩ ዘዘኽእኸረ እቲ ትንታነታት፣ እዚ ድማ እታ ኣህጉር፣ ካብ ምቛም ትካላዊ መንግስትን ውሑስ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣንን ድሕሪት ተሪፋ ከምዘላ ዘመልክት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ካብዞም ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዕልዋን ህዝባዊ ናዕብታትን ዝተኣልዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣-ጋምብያ፣ ዚምባብዌ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያን ሕጂ ድማ ሱዳን ክኾና እንከለዋ፣ እተን ክልተ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’የን ዝርከባ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሽዱሽተ ተሪፎም ኣለዉ።

ንሳቶም ፣-

ወዲ 76 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያ ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሳጎ፣ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን

ወዲ 86 ዓመት፣ ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቡያ፣ ን37 ዓመትታት ኣብ ስልጣን

ወዲ 75 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ዴኒስ ሳሱ ንጌሶ፣ ብድምር ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን

ወዲ 74 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ፣ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን

ወዲ 66 ዓመት፣ ፕረዚደንት ቻድ፣ እድሪስ ደቢ፣ ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን

ወዲ 75 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ’ዮም።

ካብዞኣቶም መን ቀዲሙ ይእለ? ልዕሊ ልምዓት፣ መነባብሮ ህዝብን ካልእ ጉዳያትን እዛ ኣህጉር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓብላሊ ኣተኩሮ ማዕረኺቡ ኣሎ

COMMENTS

WORDPRESS: 9
  • comment-avatar
    ወልደአብ 5 years ago

    ካብ እዞም  ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ጨካናት ውልቀ-ምልካውያን: አሰያስ ጥራሕ እዩ ንልእላውነት “ሃገሩ” ኣእሕሊፉ ድህብ።
    ንሕና ኤርትርውን ድላዓለ ናይ ሃገራውነት ስምዒት ስለ ዘለና: ኣሰያስ ቀዲሙ ከም ዝሳናበት ግምትን ተስፋን አለኒ። 

  • comment-avatar
    yohannes 5 years ago

    Ane bwegeney 2019 kulom kieleyu ymne, zeyterfo(naygdn gna )nay eritrea ,mkniatu hzbi tegbaratu felitwo berihlu eyu…

  • comment-avatar
    Tesfazgi 5 years ago

    Eseyas Afewerqi

  • comment-avatar

    Ayte esayase afewerke

  • comment-avatar
    ኣብራሃም 5 years ago

    ኢሰያስ ቀዲሙ ክወድቅ ኢዩ።

  • comment-avatar

    ዬናታን ኢኻ ትእለ

  • comment-avatar
    Zerihun 5 years ago

    ሰላም ረድዮ ኣሰና ብሓቂ ነመስግነኩም ኢና ዘሎና ሕቡናት ኢና መኽንያቱ ኣፍ እቱ ጭቁን ንህዝብና ኮንኩም ተገልግልዎ ከመዘለኹም ባዕሉ ውን ይሰምዓኩም ስለ ዘኣሎ በርትዑ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም ኣምላኽ።
    ኣነ ሰማዓይ ደኣምበር ተሳታፋይ ኣኮንኩን ግን ሞራል ምሃብ ውን ፍርቂ ሃይሊ ዩ ዝብል እምነት ዩ።ኣምልኽ ንሃገርናን ንህዝብናን ይባርኽ።

  • comment-avatar

    ኣብዘን ክልተ ዓመት ዘይመልእ ግዝየ ኢሲያስ ኣፍወርቂ ዩ ዝእለ ዝብል ግምት ኣለኒ

  • comment-avatar

    ኣነስ ኣቐዲሞም ዝእለዩስ ናይ ዩጋንዳን ናይ ጫድን ደኣ ይመስለኒ ! ኢሰያስ እውን ብግዲኡ ኣይተርፎን ኢዩ !