Radio Erena: 16 April 2019
ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ መራሕቲ፣ ስዒቡ ዝእለ መንዩ’? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜናታት ትንታነታት የቕርባ ኣለዋ።
ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብህዝባዊ ናዕብን ዕልዋን ከምዝዝተኣልዩ ዘዘኽእኸረ እቲ ትንታነታት፣ እዚ ድማ እታ ኣህጉር፣ ካብ ምቛም ትካላዊ መንግስትን ውሑስ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣንን ድሕሪት ተሪፋ ከምዘላ ዘመልክት ምዃኑ ኣብሪሁ።
ካብዞም ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዕልዋን ህዝባዊ ናዕብታትን ዝተኣልዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣-ጋምብያ፣ ዚምባብዌ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያን ሕጂ ድማ ሱዳን ክኾና እንከለዋ፣ እተን ክልተ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’የን ዝርከባ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሽዱሽተ ተሪፎም ኣለዉ።
ንሳቶም ፣-
ወዲ 76 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያ ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሳጎ፣ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን
ወዲ 86 ዓመት፣ ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቡያ፣ ን37 ዓመትታት ኣብ ስልጣን
ወዲ 75 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ዴኒስ ሳሱ ንጌሶ፣ ብድምር ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን
ወዲ 74 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ፣ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን
ወዲ 66 ዓመት፣ ፕረዚደንት ቻድ፣ እድሪስ ደቢ፣ ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን
ወዲ 75 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ’ዮም።
ካብዞኣቶም መን ቀዲሙ ይእለ? ልዕሊ ልምዓት፣ መነባብሮ ህዝብን ካልእ ጉዳያትን እዛ ኣህጉር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓብላሊ ኣተኩሮ ማዕረኺቡ ኣሎ