ኣፍሪቃ፣ ለበዳ ኮሌራ

Radio Erena: Thursday, 30 May 2024

ክሊማዊ ለውጢ ዘኸተሎ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕልን ኣብ ገለ ክፋል ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ ለበዳ ሕማም ኮሌራ የለዓዕል።

ኣብ ማላዊን ዛምብያን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝኸፍአ ለበዳ ክረኣይ እንከሎ፣ ኣብ ዚምባብወ ውን ተደራራቢ ማዕበላት ኣጋጢሙ።

ኣብ ሞዛምቢክ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን ለበዳ ኮሌራ ብሰፊሑ ይርአ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ብብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅን ረሳሕ ዝተዓቑረ ማይን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ለበዳ ብሰፊሑ ከምዝተዘርገሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ኮሌራ፣ ጽሬቱ ኣብ ዘይሓለወ ኣከባቢ ዝርአ ኮይኑ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ክኸውን እንከሎ፣ ዴንጋ ድማ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0