ኣፍሪቃውያን ምስ ኣህባይ ዘመሳሰለ ኣምባሳደር ሮማንያ ኣብ ኬንያ ናብ ዓዱ ተሳሒቡ

Radio Erena: MONDAY, 12 June 2023

ኣፍሪቃውያን ምስ ኣህባይ ዘመሳሰለ ኣምባሳደር ሮማንያ ኣብ ኬንያ፣ ድራጎስ ቪዮረል ቲጋው፣ ናብ ሃገሩ ከምዝተሳሕበ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ፣ ብ10 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ናይ ሃገሩ ኣምባሳደር ኣብ ኬንያ ብ26 ሚያዝያ ዝሃቦ ርእቶ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝሰምዐ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣምባሳደር ክስሕቦ ከምዝወሰነ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ ኣነዋሪ ርእይቶ፣ ዓሌታዊን ዘይቅቡሊን’ዩ ብምባል፣ መንግስቲ ሮማንያ ወግዓዊ ይቕሬታ ምሕታቱ እቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ኣምባሳደር ሮማንያ፣ ኣብ 26 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ኣብ ህንጻ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ፣ ብመስኮት ህበይ ምስ ርኣየ፣ ‘ጉጅለ ኣፍሪቃ’ ኣብ ኣኼባ ክሓብሩና መጺኦም ክብል ከምዝቐለደ’ዩ ተጠቒሱ።

ብቀልዲ እቲ ወኪል ሮማንያ ኣብ ኬንያ ዝተቖጠዐ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ፣ ኮል ኣጆንጎ፣ ኣፍሪቃውያን ብሕብረት፣ ንዓሌታዊ መግለጺታት ብትሪ ክኹንኑ ጸዊዑ።

ነዚ ዓሌታዊ መግለጺ ዝሃበ ኣምባሳደር ቲጋው፣ ብቃልን ብጽሑፍን ወግዓዊ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ዝጠቐሰ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ፣ ብ09 ሰነ ናብ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተላእከ ኣገንዚቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0